ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሶማል ዘሎ ጥምየት ክዝሕል እምበር ክውገድ ከምዘይተኸአለ ገሊጾም


ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ተሸላሚ ሽልማት ኖበል ዴቪድ ቢስለይ: ኣመሪካን ጀርመንን ዝኣመሰላ ለገስቲ ሃገራት ዝሃብኦ ሓገዝ ኣብ ሶማል ዘሎ ጥምየት ተኣፋፍነቱ ክጎድል እምበር ምሉእ ብምሉእ ክውገድ ዘኽእል ኣይኾነን ኢሎም።

ዴቪድ ቢስለይ "ገና ካብኡ ኣይወፃእናን’’ ክብሉ ንዘሎ ኩነታት ኣስሚሮምሉ።ንሶም ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዓመታት ካብ ዝጸንሐ ደርቂ "ተራእዩ ዘይፈልጥ ተፅዕኖ ኩነታት ኣየር’’ ገጢሙወን ኣሎ ኢሎም።እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ለገስቲ "ብዘደንቕ ኩነታት" ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳደን ኣብ ሶማል ዓፀቦ ምእታው ንምእዋጅ ትፅቢት ይገብር ነይሩ።

ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ይካየድ ኣብዘሎ ኣኼባ መድረኽ ቁጠባ ዓለም ትማሊ ሰሉስ መደረ ዘስምዑ ቢስለይ "ዓፀቦ ዝመስል ኩነታት’’ ስለዘሎ "ኣብ መወዳእታ ኣብ ሶማል ዓፀቦ ክስዕብ ይኽእል እዩ’’ክብሉ'ውን ኣጠንቂቖም።

XS
SM
MD
LG