ሓላፊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ፣ ሙሉእ ዕድመ ንሰብኣዊ መሰላት ስለዝተጣበቀ ተባሂሉ፣ ተዓዋቲ ሽልማት ሰብኣዊ መሰላት ጀርመን ኣፍሪቃ 2021 ምዃኑ ተፈሊጡ።
24 ጋዜጠኛታት፣ ፖለቲካዊ ፋውንዴሽንን ፖለቲከኛታትን ዝሓቆፈ ትካል ጀርመን ኣፍሪቃ ዝህቦ ሽልማት ንዝሓለፉ 25 ዓመታት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንውሩያት ውልቀ ሰባት ዝዋሃብ ፍሉይ ሽልማት ጀርመን እዩ። እዚ ሽልማት’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ንሶማልያዊ ተሓላቂ መሰል ኢልዋድ ኢልማን ከምዝተዋሃበ ይዝከር።
ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ኣብ መበል 23 ዓመት ዕድመ በዓል ሞያ ሕጊ ኮይኑ ኣብ አዲስ አበባ ስርሑ ከምዝጀመረ፣ ከምኡውን ንዘይመንግስታዊ ትካል ኪኢላ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኣማኻሪ ከምዝነበረ ካብ ዝወጸ ጽሑፍ ንምፍላጥ ይካኣል።
ዶ/ር ዳንኤል በቀለ፣ ኣብ 2005 ዓ.ም ኣብ ዝተካየደ ምርጫ ተዓዛቢ ኮይኑ ከምዝሰርሐ፣ ንጽፉፍነት እቲ ምርጫ ድሕሪ ምንቃፉ ግና ብሓይልታት ጸጥታ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠሞን ከምዝተኣሰረን፣ ንመንግስቲ ንምዕላው ፈቲንካ ተባሂሉ ተኸሲሱን ተኣሲሩን ከምዝነበረ’ውን ዝዝከር’ዩ።