ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ክፍሊ ረድኤት ሕ/ሃ ብደርቂን ንዝተጠቕዓ ከባቢ ሶማል በጺሖም


ሓላፊ ክፍሊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊስ
ሓላፊ ክፍሊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊስ

ሓላፊ ክፍሊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊስ ኣብ ሶማል ኣጋጢሙ ብዘሎ ከቢድ ደርቂ ኣዚዩ ንዝተጠቕዐ ደቡብ ምዕራብ ሶማል በጺሖም።ብሰንኪ እቲ ደርቂ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ብዘሎ ደርቂ ኣዚያ ኣብ ዝተሃሰየት ሶማል ኣብ ዝፈፀምዎ ፈላማይ ዑደት ማርቲን ግሪፊስ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ኣርብዓ ዓመታት ካብ ዘጋጠመ እቲ ዝኸፍአ ደርቂ ንምውጋድ ዓለም ክትሕግዛ ኣለዋ ኢሎም።

ኣብ ባይድዋ ምስ ፕረዚደንት ክፍለ ግዝኣት ደቡብ ምዕራብ ዓብዲያሽ ሓሳን ብምዃን ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ባይድዋ ክተሓስቦ ብዘፀግም ደረጃ ን750,000 ተመዛበልቲ ተተኣናግድ ኣላ ብምባል ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ንተመዛበልቲ ንምሕጋዝ የካይዶ ንዘሎ ፃዕሪ ሞጊሶም።

ዝኸፍአ ፀገም ከይመፅእ ዘለዎም ስግኣት ብምግልፃ ዓለም ክፍጠር ንዝኽእል ስቓይ ንምውጋድ ናይ ልግሲ ኢዳ ክትዝርግሕ ፀዊዖም።

ን90% እታ ሃገር ዘጥቕዐ ናይ ሶማል ደርቂ ድሮ ንሓደ ሚሊዮን ሰባት ብምምዝባል ካልኦት 7.8 ሚሊዮን ሰባት ድማ ተፀበይቲ ረድኤት ገይሩዎም ኣሎ።

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣብ ሶማል ምስ ደርቂ ዝተኣሳሰረ ጉድለት ኣመጋግባ እንተወሓደ ን500 ቆልዑ ቀቲሉ ኣሎ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር እታ ሃገር ከምዝሓበሮ እቲደርቂ ንልዕሊ ክልተ ሚሊዮን እንስሳት ቀቲሉ ካብ ናይታ ሃገር ሃብቲ እንስሳት ልዕሊ 28% ተተንኪፈን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG