ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ኢትዮ ቴሌኮም ጨንፈር ምዕራብ ቀጠና ኣቶ ገመቺስ ታደሰ ተቐቲሎም


ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ኢትዮ ቴሌኮም ጨንፈር ምዕራብ ቀጠና ኣቶ ገመቺስ ታደሰ ተቐቲሎም።ምስ ቅትለት ኣቶ ገመቺስ ታደሰ ብዝተሓሓዝ ፖሊስ ከተማ ነቀምቴ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ኣፍሊጡ’ሎ።

ሓላፊ ኢትዮ ቴሌኮም ጨንፈር ምዕራብ ቀጠና ኣቶ ገመቺስ ታደሰ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝተቐትሉ በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ መሰረት መዴሳ ገሊጸን።

መሳርሕቶም ጽባሕ ናብ አዲስ አበባ ሒዝካለይ ትኸይድ መልእኽቲ ኣለኒ ኢሉ ናብ ደገ ክጽውዖም ከሎ ምስኦም ዝኸደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወዶም በቲ ዝረኣዮ ከምዝሰንበደን ክሳብ ሕጂ ኣብ ራዕዲ ከምዘሎን ተዛሪበን።

“ሓቢርና ደገ ኣምሲና ኢና ኣቲና ፡ገዛ ምስ አተና ብዙሕ ከይጸንሓ ሓደ ዓርኩ ደዊሉ ፖስታ ክህበኻ ኢልዎ ሕራይ ኢሉ ንደገ ወጺኡ። ድምጺ ጠያይት ሰሚዓ ናብ ደገ ምስ ወጻእኹ ወዲቑ ተዘርጊሑን ኔሩ። ዝተኾሰ’ውን ኣይረኣኹን ወደይ ግን ደድሕሪ’ቶም ሰባይ ይጎይይ ኔሩ።”

ኣቶ ገመቺስ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ፈተነ ቕትለት ተካይድሎም ከምዝነነረ ዝገለጻ በዓልቲ ቤቶም ንፖሊስ ሓቢሮም ምላሽ ከምዘይረኸቡ ይገልጻ።

ናይታ ከተማ ፖሊስ ብወገኑ ምስ ቅትለት ኣቶ ገመቺስ ብዝተሓሓዝ ንክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቐይዲ ምእታውን ምርመራ የካይድ ምህላውን ገሊጹ’ሎ።

ፖሊስ ወሲኹ ኣቶ ገመቺስ ናብ ሆስፒታል ይወሰዱ’ምበር ብዙሕ ከይጸንሑ ምሟቶም መን ከምዝቐተሎም ንምፍላጥ ኣይተከአለን ኢሉ’ሎ።

ኣቶ ገመቺስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብምምሕዳር ናይ ዶክትሬት ዲግሪ ይመሃሩ ከምዝነበሩን ኣቦ ክልተ ቆልዑ ምኻኖምን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG