ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሓውስ ናይ ኣሜሪካ ግሎባል ሚድያ ማይክ ፓክ ካብ መዝነቶም ለቒቆም


ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ሓዊሱ ንብርክት ዝበሉ መሓውራት ዜና ናይ ዝመርሕ ናይ ኣሜሪካ ግሎባል ሚዲያ ሓላፊ ማይክል ፓክ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ሕቶ ካብ ሓላፍነቶም ለቒቖም።

ማይክ ፓክ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ልዕሊ እተን ኔትወርክታት ብዝሃቦም ሰፊሕ ስልጣን መሰረት ምስሕሓብ ዝመልኦ ሸውዓተ ኣዋርሕ መሪሖም ።

ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ስንብት መግለፂ ኣንፈት እቲ ኤጀንሲ ናብ ሸቶኡ ከቕንዕን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ናይ ኣሜሪካ ታሪኽ ንዓለም ክካፍልን ይሕግዝን ነይረ ኢሎም።

ብዙሓት ዝወሰዱዎም ስጉምትታት ግን ካብ ባይቶ ኣሜሪካ፣ ጉጅለታት ናጽነት ፕረስን ሓበሬታ ኣስሊኾም ብዝህቡን ተኾኒኖም እዮም። ፓክ ካብ ምምሕዳር ባይደን ብዝቐረበሎም ሕቶ ምልቃቖም ገሊፆም ።

ዋይት ሃውስ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ከምዝሓበሮ ናይ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ፕሮግራም ዳይሬክተር ከሉ ቻኦ ግዝያዊ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኮይነን ኣለዋ።ንሰን ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ንልዕሊ 20 ዓመታት ካብ ሪፖርተርነት ክሳብ ናይ ኮሪያ ቢሮ ሓላፊነትን ዳይረክተርነት ክፍሊ ምብራቕ ኤስያን ኮይነን ምግልጋለን ይዝከር።

XS
SM
MD
LG