ባህርዳር —
ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (USAID) ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 430 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንክልል ኣምሓራ ከምዘበርከተ ፣ ሎሚ’ውን ደገፉ ይቅጽሎ ከምዘሎ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኢትዮጵያ ሽዋን ጆንስ ገሊጹ።
ንሱ ነዚ ዝበለ ኣብ ከተማ ባህርዳር ይተኣናገድ ዘሎ ስልጠና ሰብ-ሞያ ምንካይ ሓደጋታት ኣብ ዘስመዖ መደረ ኮይኑ፣ ንምዕዋት’ቲ ስልጠና ኣመሪካ ተወሳኺ ሸሞንተ ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ሓቢሩ።
ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር ተፈናቂሎም ኣብ ባህርዳር ንዝርከቡ ሰባት ዝበጽሐ እቲ በዓል ስልጣን፣ እቲ ኣገዳሲ ነገር "ንሰላም ነቅርቦ ጸሎት ክንቅጽለሉ ይግባእ" ከምዝበለ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ዝላኣኸቶ ዜና ጠቂሱ።