ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ስለያን ጸጥታ ሱዳን ምስ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ዜጋታት ክፍትሑ ምእዛዙ ተገሊጹ


ሓላፊ ስለያን ጸጥታ ሱዳን ኣብታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ዜጋጋት ክፍትሑ ምእዛዙ ሚንስትር ሓበሬታ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ትእዛዝ ምፍታሕ እቶም እሱራት ዝተገልጸ ሓላፊ ስለያን ጸጥታ ሱዳን ሳልሕ ዓብዱላሂ መሓመድ ሳልሕ ንኣብያተ ማእሰርቲ ካርቱም ከምዝበጽሑ ዝገልጽ ሓበሬታ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣክቲቪስት’ታ ሃገር ድሕሪ ምዝርግሑ’ዩ።

ኣብ ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ብዝተኻየደ ተቓውሞ ብኣማ ኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት: ኣክቲቪስትን ተቓወምቲን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ምዃኑ ይፍለጥ: ብዛዕባ'ቲ ትእዛዝ ምፍታሕ እቶም እሱራት ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘየለ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG