ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ሳይበራዊ ስለያ ብሪጣንያ ቻይና ንሕግታት ዓለማዊ ጸጥታ ክትልውጦ ትፍትን ኣላ ክብል ከሲሱ


ሓላፊ ሳይበራዊ ስለያ ብሪጣንያ ጀረሚ ፍለሚንግ
ሓላፊ ሳይበራዊ ስለያ ብሪጣንያ ጀረሚ ፍለሚንግ

ሓላፊ ሳይበራዊ ስለያ ብሪጣንያ ቻይና ንሕጋታት ዓለማዊ ጸጥታ ክትልውጦ ትፍትን ኣላ ክብል ከሲሱ። ጀረሚ ፍለሚንግ ኣብቲ ክሱ፡ በይጂንግ ኣብ ውሽጢ ዓዳን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ቁጽጽር ንምትራር ዘለዋ ቁጠባዊን ቴክኖሎጂካውን ጽልዋ ትጥቀም ኣላ ኢሉ።

ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን፡ ኣብ ኤውሮጳ ኲናት ኣብ ዝንህረሉ ዘሎ እዋን፡ እናዓንተረ ዝኸይድ ዘሎ ሓይሊ ቻይና፡ ንመጻኢና ዝውስን ሃገራዊ ስግኣት ጸጥታ ኮይኑ`ሎ ኢሉ።

ናብ ቴክኖሎጂ ክንመጽእ ከለና፡ ፖለቲካዊ ተበግሶ ዘለዎ ተግባራት መንግስቲ ቻይና፡ ክንሰርሓሉ ዘለና ህጹጽ ጸገም እናኾነ ይኸይድ ኣሎ ዝበለ ሓላፊ ሳይበራዊ ሰለያ ብሪጣንያ ጀረሚ ፍለሚንግ፡ ቻይና ንሃገራዊ ጸጥታኣ ዝሰፍሐ ትርጉም ክትህቦ ትፍትን ኣላ ኢሉ።

ቅድሚ`ዚ ክሲ ሰበ-ስልጣን ቻይና፡ ተቴክኖሎጂካል ዕብየትና ንህይወት ቻይናውያን ንምቕያር ዝዓለመ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ቻይና ስግኣት ትትኹቱኽ ኣላ ዝብል ጠቐነ ግን ንማንም ዘርብሕ ኣይኮነን ፡እኳ ደኣ መሊሱ ዝሃርም`ዩ ኢሎም ኔሮም።

ዝሓለፈ ዓመት`ውን ሓላፊ` ቲ ምዒ፮ ዝብሃል ትካል ስለያ ብሪጣንያ ሪቻርድ ሙር፡ ቻይና ዝዓበየት ስግኣት ብሪጣንያን መሓዙትናን ኢሉ ኔሩ`ዩ፡

XS
SM
MD
LG