ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕ/ሃ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይዱ'ዮም


ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ጉዳያትን ህጹጽ ሓገዝን ማርቲን ግሪፍስ ንናይ ሽዱሽተ መዓልታት ምብጻሕ ናብ ኢትዮጵያ ይገይሽ ኣሎ።

ከም ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንመጀመርያ ግዜ ኢትዮጵያ ይበጽሕ ከምዘሎ ዝገለጸ ማርቲን ግሪፍስ፥ ኣብ'ታ ሃገር ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይንን ቤነሻንጉል ጉምዝን ዝካየድ ግጭት ከምኡ`ውን ኣብ ክልል ዓፋርን ደቡብን ብሰንኪ ዝርኣይ ቀቢላዊ ጎንጽታት ፡ ሰብኣዊ ጠለብ ኣብዚ ዓመት`ዚ ክንህር ምኽኣሉ ተዛሪቡ።

ግሪፍስ፡ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ብዓይኑ ንምርኣይ ናብቲ ቦታ ከምዝጉዓዝ ሓቢሩ`ሎ። ኣስታት 5.2 ሚልየን ህዝቢ ማለት 90% ካብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

እቲ ምኽትል ዋና- ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ባህርዳር ብምኻድ `ውን ምስ ሰበ-ስልጣን ክልል ኣምሓራ ከምዝዘራረብ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውልው ምላሽ ንምሃብ፡ ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንምስራሕ ድልው ኣሎ ዝበለ ማርቲን ግሪፍስ፡ እዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት፡ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ብኸመይ ክሕግዝ ከምዝኽእል ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ንምምይያጥ ዕድል ዝህብ`ዩ ኢሉ።እቲ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ምላሽ ንምዕባይ ሃናጺ ዝርርብ ክገብር ተስፋ እገብር ኢሉ`ሎ ።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 90 ዝኾና ንሰብኣዊ ምላሽ ዝሰርሓ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣህጉራውን ሃገራውን ከምኡ`ውን ዘይመንግስታውን መንግስታዊ ትካላት ከምዘለዋ ይግለጽ`ዩ።

XS
SM
MD
LG