ሓላፊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዝጸንሓ ምዕፃው ኣብ ክልል ትግራይ ንዓሰርተ ሚእታዊት ጥራሕ ረድኤት ክባፃሕ ብምግዳድ ኣብቲ ብኵናት ዝተጎድአ ክልል ዓፀቦ ከምዘሎ ገሊፆም።
ሓላፊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ ትማሊ ሰሉስ ከምዝበልዎ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ጥምየት ኣትዩ'ሎ ኢሎም ከምዝሓስቡ ተዛሪቦም አለዉ። እቲ ክልል ንዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ወግዓዊ ዘይኮነ ምዕጻው ከምዝርከብን ካብቲ ናብቲ ኹናት ዝሃሰዮ ክልል ክኣቱ ዘድሊ ረድኤት 10% ጥራይ'ዩ ኣትዩ ምህላውን'ውን ገሊጾም።
ንሶም ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዱዎ ቃለ ምልልስ ሕቱኦም ቀሊል ምዃኑን ንሱ ድማ "እዘን ናይ ፅዕነት መካይን ኣንቀሳቕሱወን’’ ኢሎም። "እዚ ሰብ ዝሰርሖ ብናይ መንግስቲ ተግባር ይፍታሕ’’ እውን ኢሎም::
ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ንክልል ትግራይ ዝቆጻጸር ንዘሎ ህወሓት እሙናት ዝኾኑ ሓይልታትን ኹናት ዝተወልዔ ቅድሚ 10- ኣዋርሕ ዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሞይቶም ልዕሊ 1- ሚልዮን ሰባት ኸኣ ካብ ኣባይቶም ብሓይሊ ክሃድሙ ተገዲዶም'ዮም።
ግሪፊስ ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ሕቡራት ሃገራት ዝገበሮ ገምጋም ብምጥቃስ 400- ሽሕ ሰባት ኣብ ኩነታት ጥምየት መሰል ሓደጋ ከምዝነብሩ ኢና ገሚትና እኹል ረድኤት እንተዘይረኺቦም ኸኣ ናብ ዓጸቦ ክወድቑ' ዮም ኢሎም።
ከምኡ ዝመስል ይኸውን ከምዘሎ'የ ዝሓስብ ዝበሉ ግሪፊስ ዘይወግዓዊ ምዕጻው ስለዘሎን ስእነት ነዳዲ ዘይቲ ገንዘብን ናይ ጽዕነት መኻይንን ስለዘሎ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ባይታ ዘሎ ኹነታት ብትኽኽል ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ ኢሎም'ለዉ።
ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኢትዮጵያ ብወገኑ ዝኾነ ዝቀርብ ምዕጻው ዝብል ዘረባ መሰረት ኣልቦ'ዩ ኢሉ'ሎ።
ጉጅለታት ረድኤት ከኣ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ከብጽሓ ዝኣተዋ መኻይን ጽዕነት ዳርጋ ኹለን ስለዘይተመልሳ ዋሕዲ መኻይን ጽዕነት ከምዘጋጠሞም ገሊጾም'ለዉ።
ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ዝጸዓኑ ዘወርቲ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መኻይን ብዉሑዱ ክልተ ግዜ ትትኩስዎም ገለ ተጋሩ ዘወርቲ መኻይን'ዉን ኣብ ዓፋር ተኣሲሮም ደሓር ተፈቲሖም'ዮም ።
ግሪፊስ ናብ ክልል ትግራይ ዝኸዳ ሓያለ ናይ ጽዕነት መኻይን ኣይተመልሳን እዚ ነቲ ሰብኣዊ ጸገማት ኣጋዲድዎ'ዩ ኢሎም: ወሲኾም ካብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ንነጀው ነዳዲ ዝጸዓና መኻይን ናብ ክልል ትግራይ ዝኸዳ የለዋን ኢሎም።
ቀዳማይ ነገር ንኽመጹ ነዳዲ የብሎምን ክኸውን ይኽእል'ዩ ካልኣይ ነገር ከኣ ክመጹ'ዉን ኣይደልዩን ይኾኑ፤ ምክንያቱ ዝኾነ ይኹን እዚ ንስራሕቲ ሰብኣዊ ረድኤት ሳዕበኑ ጸገም'ዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ሕቡራት ሃገራት 16- መስከረም ከም ዝበሎ ካብ 12- ሓምለ ንነጀው ናብ ክልል ትግራይ ካብ ዝኸዳ 466 ናይ ጽዕነት መኻይን 38- ጥራይ'የን ተመሊሰን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብሰሉስ ብቲዊተር ኣቢሉ ከምዝበሎ 61- ናይ ንግዲ ናይ ጽዕነት መኻይን ኣብ ቀረባ መዓልታት ካብ ክልል ትግራይ ከምዝተበገሳን ኣብ ዝመጻ ሰሙናት'ውን ተወሰኽቲ ክመጻ ትጽቢት ከምዝገብሩ ገሊጹ'ሎ።
እቲ ትካል ወሲኹ ሰብኣዊ ረድኤት ንክባጻሕ ናይ ጽዕነት መኻይን ኣብ መንገዲ ምህላወን ብምርግጽ ንዘሎ ናይ ሎጂስቲክ ጸገም ንኽንዋጻኣሉ ምስ መጉዓዝያታት ምስራሕና ክንቅጽል ኢና ኢሉ'ሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ 90% ህዝቢ'ቲ ክልል ማለት 5.2 ሚሊዮን ረድኤት ከምዘድሊ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ'ዩ።
ሕቡራት ሃገራት ንትሕቲ 5 ዓመት ቆልዑ ኣብ ፈላማይ ፍርቂ መስከረም ኣብ ዝገበሮ ምክትታል 22.7% ጉድለት ኣመጋግባ ከምዘለዎምን ካብ 11- ሽሕ ነፍሰ ጾራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን ኸኣ 70% ጽንኩር ጉድለት ኣመጋግባ ከምዘለወን ገሊጹ'ዩ።
ንምንጽጻር ዝኣክል እዚ ማዕረ'ቲ ኣብ 2011- ዓ.ም ኣብ እዋን ጥምየት ሶማል ዝነበረ መጠን ጉድለት ኣመጋግባ'ዩ ክብሉ ግሪፊስ ገሊጾሞ'ለዉ።
ናብ ክልል ትግራይ በብመዓልቱ 100- ናይ ጽዕነት መኻይን ክኣትዋ የድሊ ግን ኣብ ዝሓለፈ 3- ኣዋርሕ 10% ጥራይ'የን ክኣትዋ ክኢለን ዝበሉ ግሪፊስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ንኽኣቱ ኩነታት ከመዓራርይ ንዝኣተዎ ቃል ኽትግብሮ ንደሊ ኢሎም።
ግሪፊስ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዓመታዊ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ተራኺቦም ኔሮም 'ዮም።
ኣቶ ደመቀ መኮነን ረድኤት ምእታዉ ይመሓየሽ'ሎ ክብሉ ኣረጋጊጾምሎም'ዮም። ግሪፊስ ግን ኣዝዩ ዓብይ ብዝኾነ ተወሳኺ ክመሓየሽ የድሊ ኢሎም'ለዉ።
እዚ ከምዚሉ ከሎ 30-ዓለምለኸን ከባብያዉን ትካላት ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስን ቀወምቲ ወኪላት ባይቶ ጸጥታን ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ህውከትን ጥምየትን ከብቅዕ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስዱ ዝሓትት ሓባራዊ ቅሉዕ ደብዳበ ጺሒፎም 'ዮም።
እቲ ደብዳበ ካብ ሕዳር 2020 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ካብ ሓገዝን መራኸብን ተበቲኾም ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣብ ኩነታት ጥምየት'ዮም ዘለዉ ይብል።
ሓደ ካብቶም ነቲ ደብዳበ ዝጸሓፉ ትካል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ምኽትል ፕረዚደንቱ ሃርዲን ላንግ ን'ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ እንግሊዝኛ ጃክሰን ምቩንጋኒ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ዕላማ'ቲ ደብዳበ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣፍልጦ ክረክብን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ወኪላት ባይቶ ጸጥታን ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝያዳ ጭቡጥ ስጉምቲ ንክወስዱ ተጽዕኖ ንምግባርን'ዩ ኢሎም።
እቶም ምኽትል ፕረዚደንት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብፍላይ ኸኣ ኩሎም ኣብቲ ኹናት ዝዋስኡ ወገናት ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ክገብሩን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ ቀልጢፉ ነቲ ምዕጻው ክኸፍት'ዩ ድልየትና ኢሎም'ለዉ ።
ብኻልእ ወገን እዚ ሕቶ ጸገም ምብጻሕ ረድኤት ክቀርብ ዘለዎ ጸገም እናፈጠረ ንዘሎ ኣካል'ዩ ክብላ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ፕሬስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ኣብ ቀረባ ተዛሪበን'የን። ቢልለኔ ስዩም ኣብቲ ዝሃበኦ መግለጺ "ንህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይበጽሕ ዝገብር ዘሎ ዘረፋ ዝፍጽምን ቀረብ ምግቢ ካብ ህዝቢ መንዚዑ ንኹናት ዘውዕሎ ዘሎ ህወሓት'ዩ" ኢለን።
ሚኒስተር ሰላም ሙፈርያት ካሚል ኸኣ ብወገነን ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ሂበንኦ ኣብ ዝነበራ መግለጺ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ንኽበጽሕ ዝሐልፈሉ ከይዲ ብዝያዳ ዝተሳለጠ ክኸውን ተገይሩ'ዩ፤ ንኣብነት ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ንፍተሻ ጠጠው ዝብላሉ ነቁጣታት ካብ 9-ናብ 2- ወሪዱ'ዩ መንግስቲ ዝተመዓራረየ ኩነታት ፈጢሩ'ዩ ኢለን።
ሎሚ ዝረኸብናዮ ዜና ኸኣ ሚኒስተር ሰላም ሙፈርያት ካሚል ሎሚ ምስ ዓለም ኸ ትካላት ኣከፋፈልቲን ኣቅረብቲን ረድኤት ተራኺበን ምዝርራበን ቤት ዕዮኤን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ቤት ዕዮኤን ዘውጽኦ መግለጺ ናብ ክልል ትግራይ በብዕለቱ ረድኤት ንምብጻሕ ሸቶ ዝተታሕዘ እንተኾነ'ካ ብምኽንያት ናብቲ ክልል ከይደን ዘይተመልሳ መኻይን ጽዕነት እቲ ስራሕ ምትዕንቃፉን: ትካላት ረድኤት ሓላፍነት ወሲዶም እተን መኻይን ግቡእ ኣመራርሓ ብምሃብ ከምዝምለሳ ከረጋግጹ ኣለዎም ኣብ ዝብል ምርድዳእ ተበጺሑ'ሎ ይብል ።