ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ምውህሃድ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ሕ/ሃ ተጻብኦታት ክዓርፍን ዝያዳ ሓገዝ ንትግራይ ክለኣኽን ይጠልቡ


ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዛት ዝዀኑ ማርቲን ግሪፍዝ
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዛት ዝዀኑ ማርቲን ግሪፍዝ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዛት ዝዀኑ ማርቲን ግሪፍዝ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንዘንጸላሉ ዘሎ ከቢድ ጥሜት ንምዕጋት ተጻብኦታት ደው ክብልን መዓልታዊ 100 ናይ ረዲኤት ጽዕነት ዝሓዛ ዓበይቲ መካይን ድማ ክለኣኻን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ዝጥርነት ክፍሊ ምውህሃድ ህጹጽ ሓገዛት ሓላፊ ዝዀኑ ማርቲን ግሪፍዝ፡ ሽዱሽተ መዓልታት ንዝወሰደ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም ዛዚሞም ኣለዉ። ግሪፍዝ ከም ዝሓበሩዎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ተኸልኪለን ዝጸንሓ፡ ረዲኤት ዝጸዓና 178 መካይን፡ መገደን ንክልል ትግራይ ክቕጽላ ፍቓድ ረኺበን ኣለዋ። ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምምላስ ግን መዓልታዊ ኣስታት 100 ዝዀና ናይ ጽዕነት መካይን የድልያ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ በይንኣዊ ናይ ምቍራጽ ተጻብኦ ገይሩ’ዩ። ካብኡ ንደሓር ከኣ እታ ኲናት ሃስዩዋ ዝነበረ ክልል ናይ ኲናት ተዅሲ ከም ዝነከየን፡ በዚ ምኽንያት እዚ’ውን ትካላት ረዲኤት ቅድም ክበጽሑዎ ዘይክእሉ ዝነበሩ ቦታታት ሓገዝ ከብጽሓ ኣጸጋሚ ዘይምዃኑ’ዮም ይገልጹ።

“እቲ ቀረባት ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ብምብጻሑ ኣይከጸግመናን’ዩ። ኣብ ትግራይ መስመራት ኣሎ። ክሳብ ሕጂ እቲ ኣጸጋሚ ኰይኑ ዝጸንሐ ግን ስእነት ቀረብ’ዩ። ስለዚ ድማ ብዙሕ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ስራሓት’ዩ ዘሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከኣ ኣዝዩ ተነቃፊ’ዩ።”

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ብጽንኩር ጥምየት ይሳቐዩ ከም ዘለዉን 400-ሽሕ ካብዚኣቶም ኣብ ድርኩዂት ዓጸቦ ከም ዝርከቡን’ውን ገሊጹ ኣሎ። ግሪፍዝ ከም ዝሕብሩዎ፡ ነቲ ናይ ሓገዝ ስራሓት ዘሳልጥ ዘሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ፍቓድ ምስ ዝወሃቦም፡ 100 መካይን ረዲኤት መዓልታዊ ናብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጾምሉ’ዮም።

እቶም በዓል-መዚ ግን ነቲ ኵነታት ንምምእዛን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ክብል ኣዘኻኺሮም።

“ቅድሚ ገለ ሰሙናት ብቐዳማይ ሚኒስተር ዝተወስደ በይንኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብሓጐስ እቕበሎ። ኣብኡ ዝያዳ ክንስርሕ ኣገዳሲ’ዩ። በቶም ካልኦት ወገናት ተመሳሳሊ ስጕምቲ ተወሲዱ፡ ንህዝቢ ትግራይን መዳውብቱ ክልላትን፡ ካልእ እንተ ተረፈስ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ እታ ፍርቂ ናይ ምድሓን ዕድል እኳ ክወሃቦ ኣድላዪ’ዩ።”

እቶም በዓል-መዚ በቲ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዝለሓመ ግጭት ሻቕሎቶም ገሊጾም። ብሰንኩ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ 100-ሽሕ ኣብ ክልል ዓፋር ድማ 70-ሽሕ ዜጋታት ከም ዝተመዛበሉ ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG