ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ምርጫ ሊብያ ወዲ ጋዳፊ ካብቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ክወጽእ ወሲኑ


ሰይፍ ኣል ኢስላም ጋዳፊ
ሰይፍ ኣል ኢስላም ጋዳፊ

ድሕሪ ሞት መራሒ ሊብያ ዝነበሩ መሓመድ ጋዳፊ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ዝሳለጥ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ካብ መንጎ ዝቀረቡ 25 ሕጹያት ሓደ ወዲ ጋዳፊ ሰይፍ ኣል ኢስላም፣ ንምውድዳር ብቁዕ ኣይኮነን ተባሂሉ ተወሲንዎ።

98 ሊብያዊያን ንፕረዚደንትነት ክንወዳደር ኢና ባሃልቲ ኮይኖም ኣለው። ሰይፍ ቃዛፊ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዘይተረኸበሉ መስርሕ ቤት ፍርዲ፣ ገበነኛ ከምዝተባሃለ ዝዝከር እዩ።

ተንታኒ ፖለቲካ ሊብያ መምህር ዩኒቨርስቲ በርክለይ ካሊፎርንያ ዝነበረ ነዛር ኣል ሳያድ "ሰይፍ ጋዳፊ ንሊብያ ሕማቅ ክኾና እዩ። ምኽንያቱ እንተተመሪጹ፣ ከም’ቲ ናይ ኣቦኡ ንሊብያ ናብ ምልካዊ ስርዓት ዩ ከእትዋ" ክብል ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG