ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ንሉአላውነት ግሪንላንድ ከኽብር ኣለዎ ክትብል ላዕለወይቲ ዲፕሎማት ሕብረት ኣውሮጳ ሓቢራ


ሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ካጃ ካላስ 16 ታሕሳስ 2024.
ሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ካጃ ካላስ 16 ታሕሳስ 2024.

ሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ካጃ ካላስ ሉአላውነት ግሪንላንድ ክኽበር ኣለዎ ኢለን። ንሰን ነዚ ርእይቶ ዝሃባ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነታ ናይ ኣርክቲክ ደሴት ንምቁጽጻር ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከምዘይወስዱ ክረጋገጹ ንዝቐረበሎም ሕቶ ብርጉጽ ክዛረቡ ከምዘይክእሉ ድሕሪ ምዝራቦም'ዩ።

ካላስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ ቃል"ግሪንላንድ ኣካል ደንማሪክ እያ’’ ኢለን።ንሰን ወሲኸን "ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉአላውነትን ግሪንላንድ ክነኽብር ኣለና’’ ኢለን።

ትራምፕ ሰሉስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣመሪካ ንመትረብ ፓናማን ግሪንላንድን ክቆፃፀሩወን ከም ዝደልዩ ብምሕባር ሓድሽ ደወል መጠንቀቕታ ኣስሚዖም ኣለው። ካላስ ድሕሪ ርእይቶ ትራምፕ ምስ ቀዳመይቲ ሚንስተር ዴንማርክ መት ፍረደሪክሰን ምዝርራበን'ውን ገሊፀን ኣለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG