ሓለፍቲ ናይ ኢትዮጵያ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህፃናት ኣድሕንን/UNICEF/ ኣብ ከተማ ጅግጂጋ ዑደት ኣካይዶም።
ካብ መንግስትን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ዝሓቖፈ ኮሚቴ ምጥያሹ እውን ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ስቲቨን ዌርኡማሙ ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ዩኒሴፍ ጂሊያን ሜልሶፕ ኣብ ዋና ከተማ ክልል ኢትዮ-ሶማሊያ ጅግጂጋ ዝተረኸቡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብታ ከተማ ብሰንኪ ዝተለዓለ ህውከት ዝወረደ ጉድኣትን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝውሃብ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ንምፍታሽ ከምዝኾነ እቶም ትካላት ብሓባር ኣብዝዘርግሕዎ መግለፂ ሓቢሮም።
ብሰንኪ ዝተፈጥረ ህውከት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም እዮም።ናይዞም ተመዛበልቲ ሰብኣዊ ድልየት ንምምላእ ካብ መንግስትን ሰብኣዊ ትካላትን ዝሓቖፈ ሓደ ኮሚቴ ምጥያሹ እቲ መግለፂ ይሕብር።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ዝተመሓየሸ’ዃ እንተኾነ ሎሚ እውን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዓቒቦም ከምዝርከቡ ነበርቲ ተዛሪቦም።ናብ ካልኦት ከተማ ዝስደዱ ከምዘለው እውን ገሊፆም።
ነቶም ተመዛበልቲ ዝውሃብ ረድኤት ብዝምልከት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዘለው እኹል ሓገዝ ይግበረሎም እንተኾን ናብ ኣባይቶም ዝተመልሱ ግን እኹል ረድኤት ኣይረከቡን ዘለው ክብሉ ነበርቲ ገሊፆም ኣለው።
ናብ ከተማ ሃረር ተሰዲዶም ዝነበሩ ገለ ሽዱሽተ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት መብዛሕቲኦም ድሕሪ ሓደ ክልተ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ምኻዶም ተገሊፁ’ሎ።
ብመዳይ ምሃብ ሓገዝ ብወገን መንግስቲ ዘሎ ምንቅስቓስ ካብ ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ብዓልስልጣን ንምዝራብ ይፍትን ከምዘሎ እስክንድር ፍሬው ሓቢሩ።