ዋሽንግተን —
ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ክልተ ነበርቲ ዛላምበሳ፡ እቶም ኤርትራውያን ሓለውቲ፡ ናይ ፈደራል ወረቐት ከምዝሓቱን፡ እዚ ሕቶ`ዚ ሓዲሽ ሕቶ ስለዝኾነ፡ ናይ ፈደራል ወረቐት እንታይ ማለት`ዩ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብናሎም ግን ተወሳኺ መምርሒ ኣይረኸብናንን ኢሎም ከምዝመለሽሎም ይገልጹ።
ንኤርትራውያን`ውን ክሳብ ኢትዮጵያ ዘብጽሕ ወረቐት ፍቓድ ከምዝሓትዎም ዝገለጹ`ቶም ነበርቲ፡ ንምልውዋጥ ዕዳጋ ብዝምልከት ግን ንመካይን ይከልከል`ምበር ሕጂ`ውን ኣብ ሓውሲ-ከተማ-ሰርሓ ብካሮሳን ወይ ዓረብያን ካልእ ብሰብ ዝድፋእን ኣገባብ ተጠቒምካ እቲ ናይ እቑሑት ናይ ንግዲ ርክብ ከምዝቐጸለ ይገልጹ’
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሸነኽ ራማ-ክሳድ ዒቃ `ውን ሎሚ ተመሳሳሊ ናይ ዶብ ምዕጻው ስጉምቲ ተወሲዱ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ`ቲ ቦታን ካብ መቐለን ይሕብሩ`ለዉ።