ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ሬሳ 13 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገማግም ላምፓዱሳ ምርኻቡ ሓቢሩ


ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ሓገዝ ወሃብቲ መራኽብ ነታ ጀልባ ምስ ቐረብዋ ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ካብ ዝጠሓለት ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጀልባ 22 ሰባት ምድሓኖምን ሬሳ 13 ኣብታ ጀልባ ተጻዒነን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ምርካቦም ሓቢሮም ኣለው።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እታ መርከብ ካብ ቱኒዝያ ዝተበገሰት ምዃናን ኣስታት 50 ካብ ቱኒዝያን ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ጽዒና ምንባራ ገሊጹ’ሎ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሰንበት እታ መርከብ ጸገም ከምዘጋጠማ ሓበሬታ ምርካቦምን ይገልጹ።

“ ነቶም ስደተኛታት ናብተን ሓገዝ ወሃብቲ መራኽብ ንምስግጋር ናብታ ጀልባ ምስተጸጋዕና ብሰንኪ ኩነታት ኣየርን ምንቅስቃስ እቶም ሰባትን እታ ጀልባ ተገልቢጣ” ክብል ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሮም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG