ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ስጳኛ 70 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒኖም


ናይ ስፔን ሓለዋ ባሕሪ ክፍሊ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ እቶም 12 ህጻናት ዝርከብዎም 70 ስደተኛታት ካብ ሰለስተ ነአሽቱ ጀላቡ ዝደሓኑ ምዃኖም ሓቢሩ’ሎ።

ብተወሳኺ 62 ካብቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ: 8 ድማ ካብ ሞሮኮ ዝመጹ ምዃኖም ሓቢሩ’ሎ።

ሓለዋ ባሕሪ ስፔን 70 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:18 0:00

እቶም ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ትርከብ ወደባይት ከተማ ታሪፋ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ብኣባላት ቀይሕ መስቀል ሓገዝ ከምተገብረሎም ተገሊጹ’ሎ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ቁጽሪ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ዘቋርጹ ስደተኛታት ምጉዳሉ ይግለጽ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣስታት 45,000 ስደተኛታት በዚ ሓደገኛ መንገዲ ኣውሮጳ ዝበጽሑ ክኾኑ ከለው እዚ ቁጽሪ ምስ ናይ 2015 ክወዳደር ከሎ ኣብ 2015 ልዕሊ 1 ሚልዮን ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ምብጽሖም ይፍለጥ።

ብተመሳሳሊ ብትካል ግብረ ሰናይ ትውነን ኦፕን ኣርምስ ዝተባህለት መርከብ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዘድሓነቶም 60 ስደተኛታት ሒዛ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ወደባት ባርሴሎና ምብጽሓ ተፈሊጡ’ሎ። እዛ መርከብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ኮነ ማልታ ከይትዓርፍ ድሕሪ ምክልካላ’ያ ናብ ስፔን ብምምራሕ ኣብ ወደባት ባርሴሎና ዝበጽሓት፡ ኣቐዲሙ’ውን ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 629 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኢጣልያን ማልታን ኣብ ወደባተን ከይትዓርፍ ድሕሪ ምክልካለን ናብ ስፔን ምእታዋ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG