ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ስፔን 23 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ከምዘድሐነ ገሊጹ


ሓለዋ ባሕሪ ስፔን ትማሊ ሰኑይ ን23 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ከምዘድሐነ ገሊጹ።

ኩሎም ስደተኛታት ኣፍሪቃዊያን ደቂ ተባዕትዮ ከምዝኾኑ ዝጠቀሰ ሓለዋ ባሕሪ ስፔን ነቲ 64 ኪ.ሜትሮ ዝንውሓቱ ጉዕዞ ብሓንቲ ድኽምቲ ጀልባ ይጉዓዙ ከምዝነበሩ ኣፍሊጡ።

ብሓፈሽኡ 22,316 ስደተኛታት ናብ ደሴት ካነሪ ከምዝኣተው ዝገልጽ ሚንስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ስፔን ብወገኑ፣ ሎም ዘበን ድማ 23,271 ስደተኛታት ኣብ’ታ ደሴት ኣትዮም ኣለው ይብል።

ዝሓለፈ 4,400 ስደተኛታት ናብ ስፔን ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዝሞቱ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ 33 ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ስፔን ክሰግሩ ምሟቶም ተፈሊጡ'ሎ።

ሓለዋ ባሕሪ ስፔን ኣስከሬን ኣርባዕተ ስደተኛታት ከምዝረኸበን፣ ናብ ደሴት ካነሪ ከምዝወሰዶምን እውን እቲ ዜና ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG