ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 500 ስደተኛታት ካብ ከባቢ ትሪፖሊ ምድሓኖም ገሊጹ


ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሓሙስ 493 ስደተኛታት ካብ ሽዱሽተ ነአሽቱ ጀላቡ ካብ ከባቢ ከተማ ትሪፖሊ ምድሓኖም ገሊጾም።


ካብቶም ስደተኛታት 28 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን: እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ: ሃገራት ዓረብን ኤስያን ዝመጹ ምዃኖም ተገሊጹ'ሎ።

ኩሎም ስደተኛታት ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ኣብ ዘመሓድሮ መዳጎኒ ስደተኛታት ከምዝተወስዱ ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቃሲሞ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።


ምዕራባዊ ሊብያ ቀንዲ መበገሲ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተበጊሶም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ንዘቋርጹ ዜጋታት መበገሲ ኮይኖም ምጽንሖም ይፍለጥ። ዋላ'ዃ ቁጽሪ በዚ መንገዲ ኣውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ካብ 2017 ጀሚሩ እንተጎደለ ስደተኛታት ናብ ከም ኮመስ: ዛውያ: ዙዋራ ዝአመሰሉ መዳጎኒ ማእከል ምውሳዶን ነቲ ናይ ሕጂ ቁጽሪ ካብ ምዕራብ ትሪፖሊ ዝበገሱ ስደተኛታት ምብዛሕ ምክን ያት ምዃኑ አዩብ ቃሲም የረድኡ።

ብተወሳኺ ትማሊ ሓሙስ ሰዓታት ድሕሪ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ኣብ መዳጎኒ ማእከል ምጽሖም ሓደ ሱዳናዊ ስደተኛ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ምሟቱ ተፈሊጡ'ሎ። ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝርዝር ሓበሬታ'ቲ ኩነታት ክሳብ ሕጂ ኣይገለጸን።

XS
SM
MD
LG