ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሃለዋት 116 ስደተኛታት ከምዘይተረኽበ ይገልጽ


ፋይል
ፋይል

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት ጽዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ’ታ ሃገር ድሕሪ ምጥሓላ 132 ስደተኛታት ምድሓኖምን ሃለዋት 116 ግን ገና ከምዘይተፈልጠ ሓቢሮም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣዩብ ቃሲም ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብታ ጀልባ ኣስታት 200 ስደተኛታት ተጻዒኖም ምንባሮምን ካብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ብወገን ምብራቕ ትርከብ ኮማስ ዝተባህለ ቦታ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ሓቢሮም ኣለው። ንሶም ብተወሳኺ ክሳብ ሕጂ ሬሳ ሓደ ሰብ ምርካቡ’ውን ኣፍሊጦም ኣለው።

ኣቐዲሙ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 150 ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝክእሉን ካልኦት 150 ድማ ምድሓኖም ሓቢሩ ኔሩ። እዚ እንተረጋጊጹ እዚ ቁጽሪ ዝበዝሓ ቁጽሪ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ከምዝኸውን ተገሊጹ’ሎ።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ብዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ዝደሓኑ ክኮኑ ከለው ናብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምርካቦም’ውን ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቻርሊ ያሲሉ ገሊጹ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ብዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ዝተሓዘሉ ኣብ ማእከል ኹናት ናብ ዘላ ሃገረ ሊብያ ከይምለሱ ተደጋጋሚ ጻውዒት ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።

XS
SM
MD
LG