ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ስፔን 181 ፍልሰተኛታት ምድሓኖም ተገሊጹ


ሓለውቲ ማያዊ ዶባት ስፔን ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ካብ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ ጀልባታት 181 ፍልሰተኛታት ምድሓኖም ኣገልግሎት ሓደጋ ደሴት ካናሪ ሎሚ ሰኑይ ገሊፁ።

ትሽዓተ ደቂ ኣንስትዮን 42 ደቂ ተባዕቲዮን ዝርከብዎም ብድምር 51 ፍልሰተኛታት ብሓደጋ ህይወት ኣድሕን መርከብ ናብ ወደብ ኣርጒነጕዊን ተወሲዶም ኣለው።

130 ፍልስተኛታት ድማ ካብ ካልኦት ሰለስተ ጀላቡ ናብ ወደብ ላ ቸቦላ ተወሲዶም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ብሰሜን ኣፍሪቃ ኣቢሎም ንዝሓሸ ናብራ ናብ ኣውሮጳ ሓደገኛ ጉዕዞ የካይዱ።

ኣብ ፳፪፪ ኣ፨ፈ ፩፭፣፮፰፪ ፍለሰተኛታት ኣብ ካናሪ ደሴት ኣትዮም።ኣብ ፳፪፩ ኣ፨ፈ ምስ ዝነበረ እንትነፃፀር ብ፪፱።፯ ምእታዊ ዝወሓደ እዩ።

XS
SM
MD
LG