ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዝብ ፕረ.ባይደንን ቀ/ሚ ኣብይን ውጽኢታዊ ምንባሩ ተገሊጹ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ምይይጥ ውጺኢታዊ ኔሩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ምይይጥ ንዝነበረ ደበና ምጥርጣራት ዝነከየን ንመጻኢ ርክብ ቅኑዕ ክገብር ይኽእል'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ሰሙናዊ መግለጺ ከምዝበልዎ እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ምይይጥ ውጺኢታዊ ኔሩ ኢሎም ።

ፕረዚደንት ባይደን ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንነጀው ፈላማይ ኣብ ዝኾነ ቀጥታዊ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ :ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ መበገሲ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም ዝበልዎ ዘርዚሮም ገሊጾም ኢሎም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ሓደ ስሞም ዘይተጠቅሰ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ንኽዘራረቡ ዝደረኾም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ቀረባ ብዝወሰድዎ ኣወንታዊ ስጉምቲ እዩ ፥ ነዞም ኣወንታዊ ስጉምታት ብዝያዳ ንምሕያል'ዉን እቲ ርክብ ክቅጽል እዩ ምባሎም ተሓቢሩ'ሎ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ'ውን ክልቲኣተን ሃገራት ዛጊት ዝነበረ ምጥርጣራት ንምቅያር ቀጻሊ ጽምዶ ንምግባር ተሰማሚዔን ኣለዋ ኢሎም ኣለዉ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ደሕንነትን ዝተቀየሩ ከምዝመስሉ ገሊጾም'ለዉ።

ኣምባሳደር ዲና ካብዚ ብተወሳኺ ብዛዕባ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት'ዉን ኣብ ቀረባ ሓይሊ ኤሌትሪክ ከመንጩ እዩ ኢሎም ግን እቲ ሱሉሳዊ ልዝብ ጠጠው ክብል እዩ ማለት ኣይኮነን ክብሉ ምግላጾም ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG