ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዝብ ሰላም ኣሜሪካን ታሊባንን ሰላም ኣብ ኣፍጋኒስታን ከምጽእ ተስፋ ተነቢርዎ'ሎ


ኣብ መንጎ ኣሜሪካንን ታሊባንን ኣብ ቀጠር ይካየድ ዘሎ ልዝብ ሰላም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተኻየደ ናይ 17 ዓመታት ኲናት ብፖለቲካዊ ልዝብ ክፈትሕ ይኽእል እዩ ዝብል ዓብይ ተስፋ ተነቢርሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ራብዓይ መዓልቲ ዝሓዘ ዝርርብ ብናይ ዋሽንግተን ፍሉይ ልኡኽ ዕርቀ ሰላም ኣፍጋኒስታን ዛልማይ ኻሊልዛድ ዝመራሕ ጉጅለ እዩ ተኸፊቱ።ልኡኻት ፓኪስታንን ቀጠርን እዩ ኣብቲ ኣኼባ ይሳተፉ ኣለው።ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኣዚዮም ኣገደስቲ ጉዳያት ይዘራረቡ ከምዘለው ምንጭታት ንቪኦኤ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ል ኡኻት ታሊባን ኣሜሪካንን ኔቶን ዝምርሑ ወታደራት ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወፅሉ ናይ ግዜ ደረት ክቕመጥ ከምዝሓቱን ኣብ ክንድኡ ናይ ኣፍጋኒስታን መሬት ንኣሜሪካን ይኹን ንኻልእ ሃገር ስግኣት ዝኸውን ሓይሊ ከመዘይጥቀምሉ መረጋግፂ ከምዝህቡን ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG