ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዝብ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲን ምቁራጹ ተገሊጹ


ኣብ ከተማ ጁባ ደቡብ ሱዳን ትማሊ ረቡዕ ክጅምር ተወሲኑ ዝነበረ ልዝብ ሰላም መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲን ደው ምባሉ ተገሊጹ። እቲ ልዝብ ደው ዝበለ ሓደ ካብ ቀንዲ ተቓወምቲ ውድባት ዝኾነ ምንቅስቃስ ናጽነት ህዝቢ ሰሜን ሱዳን መንግስቲ ካብ ተቖጻጺርዎ ዘሎ ጎቦታት ኑባ እተዘይወጺኡ ልዝብ ንምክያድ ድልው ከምዘይኾነ ብምግላጹ’ዩ።

እቲ ኣብ መንጎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ክልተ ቀንዲ ተቓወምቲ ውድባት ዳርፉር፡ ናይልን ዳርፉርን ዞባታት’ታ ሃገር ሶኑይ ኣብ ከተማ ጁባ ዝተጀመረ ልዝብ ሰላም መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ግብጺ፡ሩዋንዳን ደቡብ ሱዳን እውን ተረኺቦም ምንባሮም ይዝከር።

ልዝብ መሰገጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲን ምቁራጹ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:02 0:00

ጠቕላሊ ጸሓፊ ምንቅስቃስ ናጽነት ህዝቢ ሰሜን ሱዳን አማር ኣሙና ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል መንግስቲ ካብ ተቆጻጺርዎ ዘሎን ኹናት ዝካየደሉን ጎቦታት ኑባ እንተዘይወጺኡ ልዝብ ከምዘይቅጽሉ ሓቢሮም ኣለው።

አባል ካብ ንክልቲኦም ወገናት ንምሽምጋል ዝቆመ መንጎኛ ኮሜተ ደቡብ ሱዳን ዝኾኑ ደዩ ማቶክ ብወገኖም ነቲ ክሲ ምንቅስቃስ ናጽነት ህዝቢ ሰሜን ሱዳን ንምጽራይ ይሰርሑ ከምዘለው ንAFP ሓቢሮም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ልኡኽ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን መሃመድ ሃሰን ግን እቲ መጥቓዕቲ ኣብቲ ቦታ ብዝነብሩ ጓሶት ኣብ ልዕሊ ገለ ነጋዶ ዝተፈጸመ’ዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG