ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 5,000 ኣባላት ሕብረት ሰራሕተኛታት ኣቪየሽን ኬንያ ትማሊ ረቡዕ ኣድማ ኣካይዶም


ልዕሊ 5,000 ኣባላት ሕብረት ሰራሕተኛታት ኣቪየሽን ኬንያ ትማሊ ረቡዕ ኣድማ ኣካይዶም።እቲ ኣድማ ንምንቅስቓስ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ስለዝተኣጓጎሎ ኽከውን ከሎ ተጎዓዝቲ በረርኦም ክስርዙ ወይ ክቕይሩ ከምዝተገደዱ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ኣብ ቀንዲ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ኬንያ ኣድማ የካይዱ ንዝነበሩ ሰራሕተኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ሓፂር በትርን ምጥቓሙ ተፈሊጡ’ሎ።

ሰራሕተኛታት መዕረፎ ነፈርቲ ኬንያን መንገዲ ኣየር ኬንያን ዝሓቖፈ ሕብረት ሰራሕተኛታት ኣድማ ዝካየድሉ ምኽንያት ብላዕለዎት ሓለፍቲ ንዝፍፀም ብልሽውና፣ንኣፈላላዩ ደሞዝን መንገዲ ኣየርን ኬንያን በዓልስልጣን መዕረፎ ነፈርትን ናብ ሓደ ንምሕዋስ ንዝቐረበ ንድፊ ንምቅዋምን ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።።

እቲ ሕብረት እቲ ውህደት ሰፊሕ ምቕናስ ሰራሕተኛታት ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ ይብል።

ዋና ፀሓፊ ናይቲ ሕብረት ሞስስ ንዲያማ ቅድሚ ብሓይልታት ፀጥታ ንሕፅር ዝበለ ግዜ ምእሳሮም ነቶም ኣድመኛታት ክዛረቡ ከለው “ሎሚ ዘካየድናዮ ስጉምቲ ኣድማ ኣብ ናይቲ ኣቪየሽን ኢንዱስትሪ ዘሎ ጉድለት ምሕደራ ንምቅዋም፣ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቪየሽን ዘሎ ቕልዑን ግሉፅን ብልሽውና ንምቅዋምን ሰራሕተኛታት በዚ ምስልቻዎም መልእኽቲ ንምሕላፍን እዩ” ኢሎም።

በዓልስልጣን መጎዓዚያ ኬንያ ጄምስ ማቻሪያ ነቲ አድማ ዘይሕጋዊ ‘ዩ ኢሎም ብምግላፅ ኣድማ ዘካይዱ ዘለው ሰራሕተኛታት ገበነኛታት እዮም ኢሎምዎም።

“ስራሕኹም ትስእኑ ኢኹም ዝበለኩም የለን፤ግን ኸኣ ኣድማ ተካይዱ ኣለኹም።ብዝሒ ሰራሕተኛታት ከምዝውስኽ መረጋገፂ ተዋሂቡኩም እናሃለወ ነቲ ኣድማ ቀፂልኩምሉ።እዚ ተንኮል፣ናይ ቁጠባ ሸርሒ ተባሂሉ ይፅዋዕ።ክንፃወሮ ዘይንኽእል ገበን እዩ።”

ንሶም ወሲኾም ኣብ መንጎ መንገድታት ኣየርን በዓልስልጣን መዕረፎ ነፈርትን ዝፍጠር ስምምዕ ተወሳኺ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር እዩ ኢሎም።

ሚንስትር ዕዮ ኬንያ እቲ ኣድማ ንምፍታሕ ትማሊ ረቡዕ ሓደ ጉጅለ ኣጣይሹ’ሎ።ቤት ፍርዲ እውን ሎሚ ሓሙስ ነቲ ምስሕሓብ ምርኣይ ከምዝጅመረ ተፈሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG