ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 27,500 ኤርትራዊያን ኣብ ማእከል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተመዝጊቦም ከምዘለው ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ሕ/ኣውሮጳ ይገልጽ


ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ መስከረም ምኽፋቱ ስዒቡ ልዕሊ 27,500 ኤርትራዊያን ኣብ ማእከል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተመዝጊቦም ከምዘለው ስርሒት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ ዘዳለዎ ጸብጻብ ይገልጽ።

ጸብጻብ ስርሒት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ ልዕሊ 24,000 ኤርትራዊያን ብእንዳባጉና ዝጽዋዕ ማእከል ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ካልኦት ኣስታት 3,500 ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ ማእከል ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ይሕብር።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ትካል ክሳብ ነሓሰ 31,2018 ዓ.ም 174,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘለው ይገልጽ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ውጥረት ኣብ ሰነ 2018 ደው ምባሉን ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ ስምምዕ ሰላም ምፍርራሞም ይፍለጥ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ መዓልቲ ካብ 53 ናብ 390 ምውሳኹ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG