ዋሽንግተን —
ልዕሊ 25 ኢትዮጵያውያን ካብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ግጭት ናብ ሱዳን ከምዝሃደሙ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል እቶም ስደተኛታት መብዛሕቲኦም ቆልዕትን ኣንስትን ዝርከብዎም ምዃኖም`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ዝሓለፈ ሰንበት ጥራይ ኣስታት 5,000 ስደተኛታት ናብ ዶብ ሱዳን ከምዝኣተዉ`ውን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት (UNHCR) ሓቢሩ`ሎ። ረድኤት ይገብርሎም እንተሃለዉ`ኳ እኹል ከምዘይኮነ`ውን ትካላት ረድኤት ይገልጻ`ለዋ።
ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ ናብቶም ዝሃድሙ ዘለዉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ትሃድሙ ዘለኹም ኢትዮጵያውያን ናብ ዓድኹም ክትምለሱን ተቐቢልና ምስ ሕብረተሰብኩም ክነወሃህደኩምን ተቐሪብና ኣለና ኢሉ`ሎ።
ቀ/ሚ ኣቢይ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፥ ሃዲምኩም ዘለኹም ንጹሃን ዜጋታት፥ ናብ ሃገርኩም ኣብ ትምለስሉ እዋን ንብረትኩም ክሕሎን ብሰራዊት ምክልኻል ዘድሊ ዘበለ ድጋፍ ክግበረልኩም ምዃኑን ፥ ሰላምኩም ክነውሕስ ምዃናን ቃል ንኣትወልኩም ኢሉ`ሎ።