ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 100 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ሓጹር ስጳኛ ሰጊሮም ምእታዎም ተገሊጹ


ልዕሊ 100 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ሎሚ ረቡዕ ካብ ሞሮኮ ሓጹር ስጳኛ ሰጊሮም ምእታዎም ወሃቢ ቃል ፖሊስ’ታ ሃገር ሓቢሮም።

ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ምስልታት እቶም ስደተኛታት ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣብ ዝኣተውሉ ናይ ሓጎስ ጭርሖታት የስምዑ ከምዝነበሩን መብዛሕትኦም ነቲ ሓጹር ክሰግሩ ከለው መሓውራቶም ዝቆሰለን ዝደመየን ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 3,800 ስደተኛታት ንዶብ ሞሮኮን ብምስጋር ናብ ስጳኛ ምእታዎም ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ዝገለጸ ኽከውን ከሎ እዚ ቁጽሪ ሓደ ሲሶ ናይቶም ናብታ ሃገር ዝ ኣተወ ስደተኛታት ምዃኖም ብሓፈሻ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሓምለ እዚ ዓመት’ዚ ኣስታት 27,600 ስደተኛታት ብባሕሪን መሬትን ናብ ስጳኛ ምእታዎም እቲ ትካል ወሲኹ የረድእ።

ካብቶም ትማሊ ናብ ስጳኛ ዝኣተው ልዕሊ 100 ስደተኛታት 5 ከቢድ መቁሰልቲ ዘጋጠሞም ክኾኑ ከለው 7 አባላት ፖሊስ ድማ ካብቶም ስደተኛታት ብዝተደርበየ ነገራት ከምዝቖሰሉ ፖሊስ’ታ ሃገር ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG