ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 10 ኣዋርሕ ተኣሲሩ ዝፀንሐ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ ተፈቲሑ


ንልዕሊ 10 ኣዋርሕ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ቴለቪዥን ትግራይ ሃይለሚኪኤል ገሰሰ ቤት ፍርዲ ንኽፍታሕ ድሕሪ ምውሳን ሎሚ ዓርቢ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሑ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ገሊጹ።

ኣብ 2013 ፌደራል መንግስቲ ኣብቲ ክልል ግዝያዊ ምምሕዳር ኣጣይሹ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ “ምስ ፀላኢ ተሓቢብርኩም” ብዝብል ንሃይለሚካኤል ሓዊሱ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 ተኣሲሮም።

ልዕሊ 10 ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ጋዜጠኛ ሃይለሚኪኤል ገሰሰ ብነፃ ክልቀቕ ቤት ፍርዲ ምውሳኑ ጠበቓኡ ኣይተ ኣብርሃ ካሕሳይ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ድምጺ ኣመሪካ’ውን ንምፍታሕ ጋዜጠኛ ሃይለሚካኤል ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ቤት ፍርዲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ሰለስቲኦም ጋዜጠኛታት ብነፃ ክልቀቑ ብምውሳኑ ሽዑ ምፍትሖም ይዝከር።

ብሓባር ካብቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት መኮነን ክሱ ኣብ ከይዲ ከም ዝርከብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

XS
SM
MD
LG