ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝምድና ሓደ ዓመት ዘትዩ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዖስማን ሳልሕን፡ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኣቶ የማነ ገብረኣብን፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም፡ ከምዝተመያየጡ ካብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዝተረኽቡ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቶም ኤርትራውያን ልኡኻት ኣብ`ቲ እዋን ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሞት ኣቦ ቀ/ሚ ኣቢይ ዝተሰምዖ ሓዘን ዝገለጸሉ መልእኽቲ ኣብጺሖም።

ኣብ`ቲ ዘተኦም፡ ክልቲኤን ሃገራት ናይ ሓደ ዓመት ናይ ሰላም ጉዕዝአን ብምርኣይ ነቲ ምሕዝነት ንምሕያል ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስጉምትታት ተዘራሪቦም።

ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዱልዱል ምሕዝነት ንምዝካር ድማ፡ ዶ/ር ኣቢይን እቶም ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ኣብ ቀጽሪ ቤት-ጽሕፈት`ቶም ቀ/ሚ፡ ፈልሲ ገረብ ተኺሎም።

ብዝተሓሓዝ ዜና፡ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብምኽንያት`ቲ ጽባሕ ሓሙስ ዝዝከር 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ህንጸት ሃገርን ዕቃቤኡን ብኽብሪ ሰማእታት`ዩ ዝደምቕ ድሕሪ ምባል፡ ናይ ትማሊ ስዉኣትኩም ምኽባርኩም ግቡእን ረዚንን`ዩ ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG