ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ምብጽሑ ተገሊጹ


ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን አማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝምራሕ ልኡኽ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንፕረዚደንት ቤት ምክሪ ሉኣላዊነት ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብዱራሕማን ኣል-ቡህራን ሎሚ ሶሉስ ምብጽሑ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም።

ኣብቲ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንህዝቢ ሱዳን ኣብ ምኽባር መዓልቲ ናጽነቱን ሓድሽ ዓመትን እንኳዕ ኣብጽሓኹም ምባሉ ተሓቢሩ'ሎ።


ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ርክቦም ክልቲኣዊ ዝምድና ንምሕያል ጭቡጥ ስጉምትታት ንምውሳድን ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምትግባርን ምዝርራቦም ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ'ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG