ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሉኣላዊነት ሱዳን ተራኺቦም: ተዘራሪቦም


ብሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕን አማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብ ዝምራሕ ልኡኽ ሎሚ ሶሉስ ምስ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ቡህራን ተራኺቦም:ተዘራሪቦም።

እቲ ልኡኽ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ናብ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት ሱዳን ብምብጻሕ ኣብ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያን ኣብ ዞባዊ ምርግጋእን ሰላምን ዘለዎ ሳዕቤን ምዝርራቦም ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም።

ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት ክልቲኣዊን ዞባዊን ምትሕብባር ንምድንፋእ ምስምማዖም ተገሊጹ።

XS
SM
MD
LG