ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ ኤርትራን ናብ ሱዳን ምብጽሑ ተገሊጹ


ብሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዖስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ትማሊ ኣብ ካርቱም ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል ኣል-ቡርሓን ተራኺቡ- ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ዝምልከት መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዘረከበ፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

እቲ ልኡኽ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ`ውን መልእኽቲ ከምዘብጽሐን፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብቲ መልእኽቱ፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ንምፍታሕ ብትዕግስትን ሕውነታዊ መንፈስን ክርኣይ ከምዘለዎ ምግላጹ ኣቶ የማነ ኣብቲ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ጠቒሱ`ሎ።

ፕረዚደንት ኣል ቡርሓንን ቀዳማይ ሚኒስትር ሓምዶክን ብወገኖም፡ ኤርትራ ንእትወስዶ ዘላ ቀጻሊ ተበግሶታት ብምንኣድ፡ ሱዳን ነቲ ግዚያዊ ጸገማት ብሰላም ንክትፈትሖን ምስ ኢትዮጵያ ጽኑዕ ምሕዝነት ንምምዕባል ዘለዋ ድልየትን ከምኡ`ውን ንዞባዊ ምትሕብባር ከምእትሰርሕ ነቶም ልኡኻት ኤርትራ ከምዘረጋገጽሎም ሚንስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG