ዋሽንግተን —
ልኡኽ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ፓርላማ ታይዋን በፂሖም።እዚ ነታ ንርእሳ ተመሓድር ዘላ ደሴት ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ተወሳኺ ምልክት ደገፍ እዩ።
ብዴሞክራት ሰኔተር ኤድ ማርኪ ንዝተመርሓ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቖፈ ልኡኽ ብናእዳ ዝተቐበሎ ኣባል ፓርላማ ሎ ቺን-ቸንግ እዩ።ቺን-ቸንግ ዕላማ ወታሃደራዊ ልምምድ ቻይና ንዑደት ኣባላት ኮንግረስ ንምግታእ ስለዝኾነ እዚ ምብፃሕ ዝለዓለ ኣገዳስነት ኣለዎ ኢሉ።
ኣብ ከባቢ ታይዋን ስትሬይት ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን ወፍሪ ንምሕያልን ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባታት ልኡኻት ኣመሪካን ወኪላት መንግስቲ ታይዋንን ከምዝኸውን ትፅቢት ይግበር።
ንታይዋን ከም ኣካል ግዝኣታ እትሪኣ ቻይና ንዑደት ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ቁጥዕኣ ንምግላፅ ብዙሓት መዓልታት ዝወሰደ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣብ ከባቢ እታ ደሴት ምክያዳ ይዝከር።