ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጣሊባን ተራኺቦም:ተዘራሪቦም


ሰበ ስልጣን ጣሊባን ኣብ ዶሃ
ሰበ ስልጣን ጣሊባን ኣብ ዶሃ

ኣሜሪካ ወታሃደራታ ካብ ኣፍጋኒስታ ካብ እተውፅእ ንደሓር ፈላማይ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ላዕለዎት ተወከልቲ ጣሊባን ኣብ ዶሃ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም ።እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣሜሪካ ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ተራድኦ ልምዓት (USAID)ን ማሕበረሰብ ስለያን ዝርከቡዎም እዩ።

ዝርዝር ዛዕባ ዘተ እተዘይተፈለጠ'ውን ኣሜሪካ ዜጋታታን ካልኦት ኣፍጋኒስታዊያንን ካብታ ሃገር ብውሑስ ምውጽኦም ከረጋግፁ ክትደፍኣሉ እያ ተባሂሉ ኣሎ።

ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ወኪላት ረድኤትን ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝልዓሉ ኣዚዮም ወሰንቲ ጉዳያት ሓደ ድሕሪ ምቁፅፃር ስልጣን ጣሊባን ዕጫ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ክኸውን ተስፋ ኣለዎም።

ጣሊባን ኣፍጋናዊያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዘመዝገብኦም መሰላት ድሮ ምፍሓቕ ጀሚሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG