ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ 3 መዓልታት ምብጻሕ ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ


ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ከካይድ ዝቀነየ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ምብጻሕ ፈጺሙ ሎሚ 2 መጋቢት,2021 ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

እዚ 20 ኣባላት ዝሕቖፈ ልኡኽ ስዑድያ ብመሰረት ብ26 ጥሪ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፈለማ ኣኼባ ሓባራዊ ሚኒስተራዊ ቤት-ምኽሪ ኤርትራን ስዑድያን ዝተበጽሐ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ዝቖመ ኮይኑ፡ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን፡ ቁጠባውን ልምዓታውን ከምኡ’ውን ጸጥታውን ምክልኻላውን ዝብሉ ሰለስተ ንኡስ ኣካላት ዝሓቖፈ(ጉጅለ)’ዩ። እዚ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ሰለስተ መዓልታት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተራኺቡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ንክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ሰፊሕ መግለጺ ከምዝተዋህቦ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ እቲ ልኡኽ ኣብ ዞባታት ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባህርን ማእከልን ዝርከቡ ናይ ልምዓት ቦታታት በጺሖም።

ኣባላት ናይ’ዚ ልኡኽ ናብ ሃገሮም ቅድሚ ምብጋሶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃለ- ምልልስ መልእኽቲ ንጉስ ስዑድያ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዘብጽሑ ብምጥቃስ ዕላማ ዑደቶም ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታትን መንግስታትን ዝተጀመረ ናይ ምትሕብባር ርክብ ንምምዕባል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG