ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ወከልቲ ተቓዋሚ ውድብ ኣዋጅ ናጽነትን ለውጥን ሱዳን ተራኺቡ፡ተዘራሪቡ


ሓደ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ካርቱም ምስ ወከልቲ ተቓዋሚ ውድብ ኣዋጅ ናጽነትን ለውጥን ሱዳን ተራኺቡ።

እቲ ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኣብ ሱዳን ዝመጸ ለውጢ፡ ንረብሓ ሰላም፡ ህድኣትን ምዕባለን ከገልግል ዘለዎ ትምኒት ከም ዝገለጸን፡ ካብ ኣባላት ተቓዋሚ ውድብ ለውጢ ሱዳን ድማ፡ ምስ ኤርትራ ክህልው ዝደልይዎ ርክብን፡ ዛጊት ምስ ወታሃደራዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን ዘካይድዎ ዘለዉ ልዝብን መብርሂ ከም ዝሃቡ- መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ-ሻባይት ሓቢራ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ሱዳን ከም ዝኣተወን፡ ብእኡ ንብእኡ ምስ ሓላፊ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን ሌ/ተ ጀነራል ዓብዱል-ፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ከምኡ ድማ ምስ ምኽትል`ቲ ቤት-ምኽሪ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ከም ዝዘተየን፡ ምሕዝነት ክልቲኣን ሃገራት ናብ`ቲ ዝነበሮ ንምምላስ ከም ዝተሰማምዑን፡ እቲ ናይ ኤርትራ መንግስታዊ ሜድያ ጸብጺቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG