ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሱዳን ናብ ሩስያ ተጓዒዙ


ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሕምዴቲ) -ፋይል
ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሕምዴቲ) -ፋይል

ብምክትል ወታሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሕምዴቲ) ዝምራሕ ልኡኽ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሱዳን ሎሚ ረቡዕ ናብ ሩስያ ምጕዓዙ ተሓቢሩ።

ሰበ ስልጣን'ታ ሃገር እቲ ልኡኽ ናብ ሩስያ ዝበጽሕ ዘሎ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ንምሕያል ምዃኑ ይገልጹ።

እቲ ናብ ሩስያ ዘምረሓ ልኡኽ ንፋይናንስ ሚኒስትር ሱዳን ጂብሪል ኢብራሂም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሚኒስትሪ ጸዓትን ንግዲን ዝሓቖፈ ምዃኑን እቶም ሰበ-ስልጣን ምስ ናይ ሩስያ መዘነታቶም ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ከም ዝዘራረቡ ኣብ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ ክብል ኤኤፒ ጸብጺቡ'ሎ።

ሱዳን ድሕሪ ኣብ ጥቅምቲ 25፡ 2021 ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ዕልዋ ብዙሕ ተነጽሎ ከምዝገጠማን ከምግብረ መልሲ ድማ ብዙሓት ሃገራት ነታ ሃገር ዝህብዎ ዝነበረ ሓገዝ ደው ምባሎም ይፍለጥ።

ሱዳን ኣብ እዋን መሪሕነት ዑመር ኣል-በሽር ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበረ እገዳ ኣብ ወታሃደራዊ መዳይ ኣብ ሩስያ ትውከል እኳ እንተነበረት ድሕሪ ምውዳቕ ኣልበሽርን ግን እቲ እገዳ ምልዓሉን ምስ ኣመሪካ ኣብ ጽቡቕ ዝምድና ምጽንሓን ይፍለጥ።

እዚ መገሻ ክልቲኣን ሃገራት ብድሆ ገጢምዎን ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG