ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኻት ኤፍቢኣይ መጥቓዕቲ ቦምብ መስቀል አደባባይ ንምጽራይ አዲስ አበባ ኣትዩ


ቢሮ ፌደራላዊ ምርመራ ኣሜሪካ/ FBI/ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብቀዳም ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ዘጋጠመ ፍንጀራ ቦምብ ንምፅራይ ልኡኻት ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ምርመራ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

ኣብ መጥቓዕቲ መስቀል ኣደባባይ ዝሞቱ ክልተ ሰባት መንነቶም ብወግዒ ተፈሊጡ’ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንቤተሰብ መወቲ ደዊሎም ኣፀናኒዖም ኣብ ሕክምና ንዝርከቡ ድማ ደም ለጊሶም ኣለው።

ምስዚ መጥቓዕቲ ብዝተተሓሐዘ ተጠርጢሮም ካብ መንጎ ዝተትሓዙ ሰባት 26 ሎሚ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG