ላዕለወቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባሽለት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ይመፁ ዘለው ከቢድ፣ ቀፃልንነትን ተኣማንን ፀብፃባት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ቕልጡፍ ድልየት ተበፃሕነት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘድሊ ተጽዕኖ ዝህብ እዩ ኢለን።
ንሰን ይብፅሕወን ዘለው ሪፖርትታት ቀፀልቲን ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን መግሃስትታት ብቕልጡፍ ምምርማር የድሊ እዩ ኢለን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ መንግስቲ ንልዕልነት ሕጊ ንምስፋን የካይዶ ንዘለው ስጉምትታት ዘዐንቅፍ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ተበግሶ ዘለዎም ወፍርታት የካይዱ ኣለው ክብል ነፂጉዎ ኣሎ።
‘'ብኹሎም ወገናት ዝተፈፀሙ ብዓሚቕ ዘጨንቑ ፀብፃባት ፆታዊ መድፈርትን ኣብ ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲን፣ብዘይሕጊ ምቕታል፣ሰፊሕ ዕንወትን ስርቅ ናይ ህዝብን ውልቀሰባት ንብረት ይበፅሑና ኣለው፤ ብፍላይ ኣብ ማእኸላይ ትግራይ ውግእ ምቕፃሉ ፀብፃባት ኣለው’' ኢለን ባሸለት።
ንሰን ብምውሳኽ "ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ግጭት ትግራይ ይሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊ ሰብኣውነትን ብከቢድ ምጥሓሶም ዝሕብሩ እሙናት ሓበሬታታ ምውፅኦም ቀፂሎም ኣለው’’ ኢለን።
መግለፂአን ብምቕፃል ባችለት "ቕልጡፍ፣ ዘይወገናውን ነፃን ምርመራታትን ብምክያድ ፈፀምቲ ዘይሕተቱ እንተኾይኖምን እቶም መግሃስትታት ብዘይተሓታትነት ዝቕፅሉ እንተኾይኖምን እቲ ኩነታት ንነዊሕ እዋን ተኣፋፊ ኮይኑ ከይቕፅል ስግኣት ኣለኒ’’ ኢለን።
እቲ ፀብፃብ ሓይልታት ፀጥታ ለካቲት 9ን 10ን 2021 ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ መቐለ፣ሽረን ውቕሮን ንሸሞንተ ሰልፈኛታት ከምዝቐተሉ እሙን ምጭታት ምግላፆምን ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ተዋሳእቲ ስርቂ ከምዘሎን ይገልፅ ።
እቲ መግለፂ ኣብ ታሕሳስን ጥርን ኣብ ሆስፒታላት መቐለ፣ ዓይደር፣ ዓዲግራትን ውቕሮን ልዕሊ 136 ፀብፃባት ፆታዊ ዓመፃት ከምዝቐረቡን ጥርዓን ዘይቀረበሎም ፆታዊ ምግሳስ ካብኡ ዝበዝሕን ከምዝኸውን ዝሕብር እዩ ይብል ። መንግስቲ ምርመራ የካይድ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ልዕሊ ከተማታት መቐለ፣ ሑመራን ዓዲግራትን ደብዳብ ከበድቲ ብረት ከምዝተፈፀመን ኣብ ከተማ ኣክሱምን ማሪያም ዳንገላትን ብወታሃደራት ኤርትራ ቅትለት ሓዊሱ ከቢድ ጥሕሰታትን መግሃስታትን ሰብኣዊ መሰላት ምፍፃምም ዝተዋደደ ሓበሬታ ኣሎ ኢሉ ኣሎ ።
እቲ መግለፂ ኣብ ዝቐረበ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ዝተኻየደ መባእታዊ ገምጋም ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል፣ ህወሓት፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ናይ ኣምሓራ ክልላዊ ሓይልታትን ተሓባበርቶምን ሓዊሱ ኣብ ግጭት ትግራይ ዝተሳተፉ ብዙሓት ተዋሳእቲ ምስ ገበናት ኵናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጡር ዝፍፀሙ ገበናትን ክዳረጉ ዝእኽሉ ከቢድ ጥሕሰት ዓለምለኸ ሕጊ ምፍፃሞም ዝሕብሩ እዮም ኢሉ ኣሎ ።
ብዙሓት ተዋሳእቲ ኣብ ዘለውሉን ፈፂምካ ኣሉ ምባልን ኣፃብዕቲ ምውጥዋጥን ኣብ ዘለሉ ነፃን ቅኑዕን ገምጋም ምግባር ኣድላይ ምዃኑ ንፁር እዩ ዝበላ ሚሸል ባችለት ግዳያትን ካብቲ መጥቓዕቲ ዝድሓኑን ዘለዎም መሰል ሓቅን ፍትሕን ክክልከሉ የብሎምን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቤት ፅሕፈት ኮነ ካልኦት ነፃ ኣካላት ናብ ትግራይ ክኣትው ክፈቅድ ንፅውዕ ኢለን ኣለዋ።
ነዚ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባችለት ዝወፀ መግለፂ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊድ ዝተውሃበ ምላሽ የለን።እንተኾነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ " ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር መግለጺ፡ ነቲ ወፍሪ ንክብገስን ፈደራል መንግስቲ ጣልቃ ንክኣቱን ዝደፍኦ እቲ "ወንጀለኛ" ዝበሎ ጉጅለ ህወሓት "ፈጺምዎም" ዝበሎም ጥሕሰታት ሕገ-መንግስቲ፡ ብግልጺ ዘርእዩ መብርህታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ምውጽኡ ኣዘኻኺሩ`ሎ።
ጉጅለ ህወሓት " ንሕገ መንግስቲ ዝሕልዉ ሓይልታት ምክልኻል እዚ ሰሜን፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተወሃሃደን ዘስካሕክሕን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ብመሰረት ሕጊ`ዛ ሃገር ከቢድ ናይ ክሕደት ገበን ፈጺሙ`ዩ" ኢሉ።
ማንም ውልቀሰብ ኮነ ኣካል ኣብ ሃገራዊ ይኹን ዓለምለኻዊ ደረጃ፡ ካብ ናይ ሃገሩ ሕጊ ወጻኢ ክኸውን ከምዘይክእልን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሕጊ ናይ ምኽባርን ነታ ሃገር ክከላኸለላን ግዴትኡ ኣብ ምፍጻም ምዃኑ እቲ መግለጺ የመልክት።
መንግስቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ክልተ ገጽ ዘለዎ ምዃኑ እቲ ሓደ ዘድሊ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጽሑ ብምርግጋጽ- ነቲ ኽልል መሊስካ ምህናጽ ምዃኑ ገሊጹ`ሎ።