ዋሽንግተን —
ላዕላዋይ ክኢላ ተላገብቲ ሕማማት ኣሜሪካ ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺ፥ ናህሪ ኮሮናቫይረስ ኣጠንቂቑ፥ ድሕሪ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ በዓላት፡ ሰባት ናይ መገሻን ምትእኽኻብን ኩነታት ስለዝነበሮም እቲ ናህሪ ክውስኽ ንጽበዮ ኢና ኢሉ።
ኣተሓባባሪት ሓይሊ ዕማም ኮሮናቫይረስ ዋይት ሃውስ ዶ/ር ዲቦራ ብርክስ ብወገና፥ ገይሽና እንተኔርና፥ ሒዙና`ሎ ኢልና ክንግምት ኣለና፡ ስለዚ ክንምርመር ይግባእ ኢላ`ላ።
እቶም ዶክተራት ነቲ ስምዕታ ዝመሓላልፉ ዘለዉ፥ ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥራሕ ልዕሊ 4 ሚልዮን ዝተታሕዙ ድሕሪ ምምዝጋባ`ዩ።.
ብራዚልን ህንድን ብብዝሒ መትሓዝቲ ንኣሜሪካ ይኽተላ`ለዋ ። ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ኣብዚ በዓላት ልደትን ሓዲሽ ዓመትን ዝትግበር ዝተፈላለዩ ስጉምታት ይወስዳ`ለዋ።
ብኻልእ ወገን፥ኣብ ኣፍሪቃ ለበዳ ኮሮና ብዘስዓቦ ዕንቅፋታት፥ ዓሶ ልዕሊ ኮቪድ ከይቐትል ተሰጊኡ`ሎ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ሎሚ ሶኑይ ኣጠንቂቑ`ሎ።