ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ሓማስ ንዲፕሎማሲያዊ ዘተ ግብጺ ኣትዩ


ላዕላዋይ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየ - ፋይል
ላዕላዋይ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየ - ፋይል

ላዕላዋይ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየ ንዲፕሎማሲያዊ ዘተ ሎሚ ረቡዕ 20 ታሕሳስ 2023 ናብ ከተማ ካይሮ ግብጺ ተጓዒዙ`ሎ። እቲ ዘተ፡ ንካልኣይ ዙር ምቁራጽ ተዅሲን፡ ምፍታሕ ጅሆን ዝዓለመ`ዩ።

ሓማስ ንሰፊሕ መጥቃዕቲ እስራኤል ሓያል መኸተ የርኢ`ሎ። ናብ 20-ሺሕ ዝጽግዑ ሰባት ኣብ ዝሞትሉን፡ኣስታት 85% ህዝቢ ቓዛ ካብ ቤቱ ኣብ ዝተፈናቐለሉን ሕጂ እዋን ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ብቐጠርን ግብጽን መንጎኝነት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ይሳተፉ`ለዉ። ዕላማ'ቲ ዘተ ምቁራጽ ተዅሲ ንኽግበርን ጅሆ ዝተታሕዙ ንክፍትሑን እዩ። ሓማስ፡ ዅናት ጠጠው ከይበለ ምፍታሕ ጅሆ ዝብሃል የለን ዝብል መርገጺ ሒዙ`ሎ። ዛጊት ኣብ ዝተገብረ ሽምግልና፡ ልዕሊ 100 ጅሆ ዝተታሕዙ ብሓማስ ክፍትሑ ከለዉ ከም ለውጡ ድማ 240 ፍልስጤማውያን እሱራት ተለቒቖም። ሓማስ ገና 129 ሰባት ጅሆ ሒዙ`ሎ።

ሓማስ ሕጂ ከም ዝበሎ፡ መራሒኡ እስማዒል ሓኒየ ምስ ሰበ-ስልጣን ግብጺ ብዛዕባ`ቲ ዅናት ክዘራረብ`ዩ። ሽሕ`ኳ ሓማስ ብዛዕባ መራሕቱ ዝነብርሉ ቦታ ዘይዛረብ እንተኾነ ሓኒየ መደበሩ ኣብ ቐጠር ከም ዝኾነ `ዩ ዝእመን፡።

ብኻልእ ወገን ሚንስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ንዝርከብ መርበባት ገለርያታት የጸርዩ ከም ዘለዉ ገሊጹ`ሎ፡ ንሓማስ ካብ`ቲ ከባቢ ጠቕሊልና ንጸርጎም ኣለና ይብል። እንተኾነ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ገና ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእል ይኣምን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ጉድኣት ቀጺሉ`ሎ። ሎሚ ረቡዕ ጥራሕ ብውሕዱ 46 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 100 ከም ዝቖሰሉን ይግለጽ ኣሎ። እስራኤል `ውን ዛጊት ኣብቲ ኩናት 134 ወተሃደራት ከም ዝኸሰረት ገሊጻ`ላ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ዝኣትወሉ መንገዲ ንምርካብ ኣብቲ ብኣዕራብ ዝምራሕ ልዝብ ይሳተፍ`ሎ። ዝሓለፈ ሰኑይ ዝነበረ ምውሃብ ድምጺ ንሎሚ ረቡዕ ተመሓላሊፉ`ሎ። ኣብቲ ንምቁራጽ ተዅሲ ዝጽውዕ እማመ፡ ኣመሪካ ወይ ድምጻ ክትህብ ወይ ድምጸ-ተዓቅቦ ክትገብር ብዝብል ተስፋ ዝግበር ኣኼባ`ዩ፡ ምኽንያቱ ቅድሚ ሎሚ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰላ ተጠቒማ ውዱቕ ምግባራ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG