ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ዲፕሎማት ሩስያን ኣመሪካን ኣብ ጀነቭ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም


ምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ወንድይ ሼርማንን ምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርገይ ሪያብኮቭን
ምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ወንድይ ሼርማንን ምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርገይ ሪያብኮቭን

ዲፕሎማት ኣመሪካን ሩስያን ብዛዕባ ናይ ሩሲያ ሰፊሕ ወታሃደራዊ ምቅርራባት ኣብ ዶባት ዩክሬይንን ሩሲያ ብዝምልከት ካብ ምዕራባዊያን መረጋገፂ ድሕነት ክወሃባ ንምሕታትን ንምዝታይ ሎሚ ኣብ ጄኔቭ ተራኺቦም።

ብምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርገይ ሪያብኮቭን ዝመራሕ ልኡኽን ብምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ወንድይ ሼርማን ዝምራሕ ልኡኽን ገፅ ንገፅ ተራኺቦም ኣለው።

ላዕለዎት ዲፕሎማት ኣመሪካን ሩሲያን ቅድሚ ናይ ሎሚ ሶኑይ ርክቦም ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ኣብዚ ሰሙን ንምህዳእ ይክኣል እንተኾይኑ ተስፍኦም ዝለዓለ ከምዘይኮነ ገሊፆም ኣለው።

ሩሲያ ንዩክሬይን ክትወራ እያ ንዝብል ክሲ ብምንፃግ ወታሃደራዊ ኪዳን ሰሜን አትላንቲክ(ኔቶ) ናብ ሃገራት ማእኸላይን ምብራቕ ኣውሮጳ ምስፍሕፋሕን ወታሃደራዊ ልምምድን ጠጠው ከብሎ ሓቲታ ኣላ።

ኣመሪካን ኔቶን ዝዓበየ ክፋል ሓሳባት ሩሲያ ፍረ ኣይመፅእን ኢሎምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG