ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኣሜሪካ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ምክትል ኣዛዚ ስታፍ ሰራዊት ኣሜሪካ ጀነራል ጆን ሃይተን ምስ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል አደም መሓመድ ማህሙዴ ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት አዛዚ ስታፍ ሜጀር ትሪሻ ጊዮም ሎሚ ብጽሑፍ ብዝሃብዎ መግለጺ ናይ ክልቲኣን ሃገራት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም ምዝታዮም ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ምክትል አዛዚ ስታፍ ሰራዊት ኣሜሪካ ጀነራል ሃይተን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ንዘለዋ አበርክቶን ተሳትፎን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም ተልእኾ ንትህቦ ድጋፍን አመስጊኖም። ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ኣብ ምሕያል ተዘራሪቦም ኣለው።

ሽርክና ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ረቋሒ ምኳኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG