ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ክሲ ጌታቸው ኣሰፋን ካልኦትን ውሳነ ሂቡ


ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ክሲ ጌታቸው ኣሰፋን ምስኡ ዝተተሓሓዙ ፋይልን ኣብ ዘየለውሉ ናይ ፍርዲ ውሳነ ሂቡ'ሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ፍርዶም ኣብ ማእሰርቲ ኮይኖም ክከታተሉ ዝጸንሑ ናይ ምክልኻል መሰካኽር ከነቕርብ ኣይንክእል ዝበሉ ተኸሰስቲ'ውን ውሳነ ኣሕሊፉ'ሎ።

ብመሰረት'ዚ ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ልደታ መጋባእያ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ንዳይሬክተር ኣገልግሎት ሃገራዊ ድሕነትን መረዳእታን ነበር ኣቶ ጌታቸው አሰፋ ናይ 18 ዓመት ማእሰርትን 20 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ገንዘብን ኣብ ዘየለውሉ ውሳነ ሂቡ'ሎ።

ዳይሬክተር ሚንስትሪ ፍትሒ ኣቶ ኣወል ሱልጣን ኣብ ትሕቲ ክሲ መዝገብ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ 5ይ ተኸሳሲ ዝኾኑ ደርበው ደመላሽ ናይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ማእሰርቲ፣ 9ይ ተኸሳሲ ኣቶ አጽብሀ ግደይ ኣብዘየለውሉ ናይ 16 ዓመት ማእሰርቲ፣ ኣቶ አሰፋ በላይ ናይ ሸውዓተ ዓመት ማእሰርቲ፣ ኣቶ ሽሻይ ልኡል ናይ ሓሙሸተ ዓመት ማእሰርቲ፣ ኣቶ ዮሃንስ ውበት ናይ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ፣ ኣሸናፊ ተስፋሁን ናይ ሓሙሸተ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ማእሰርቲ፣ ኣቶ ሓዱሽ ደስታ ብትሸዓተ ወርሒ ቀሊል ማእሰርቲ ከምኡ'ውን ማርክስ ፀሀዬን ካልኦት ተኸሰስትን ከከም ገበኖም ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከምዝተዋህቦም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ድምጺ ኣመሪካ ካብ ጠበቓታት እቶም ተኸሰስቲ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ነቲ ከይዲ ስለዘይተኸታተልናዮ፣ ርእይቶ ንምሃብ ንፅገም ኢና ዝብል ምላሽ ሂቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG