ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ቕትለት ሓላፊ ስታፍ ዝነበሩ ጀ/ ሰዓረን ሜ/ጀ አበራን ውሳነ ሂቡ


ንንሓላፊ ስታፍር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ምስኦም ሓቢሮም ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝቀንጸለ ሓለቃ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ፣ ጥፍኣተኛ ዝብል ብይን ከምዝተዋሃበ ተገሊጹ።

ንቅንጸላ ክልቲኦም ወትሃደራዊ ኣዘዝቲ ይምርምር ዘሎ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ብሙሉእ ድምጺ ንሓለቃ ዓሰርተ መሳፍንት ጥፍኣተኛ እዩ ኢሉ ከምዝወሰነ’ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ጠበቃ ተኸሳሲ ዝኾነ ቃለ ክርስቶስ ጌትነት ንድምጺ ኣሜሪካ ክዛረብ ከሎ "ዓሚሉ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምቅያር ኢሉ ገበን ፈጺሙ ዝብል ክሲ ከምዝቀረቦ" ጠቂሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ 2 ክሳብ 13 ዝተዘርዘሩ ተኸሰስቲ ኣቋሪጹ መስርሕ ክሲ ሓለቃ ዓሰርተ መሳፍንት ከምዝቀጸለሉ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ናይ ክልቲኦም ወገናት ርእይቶ ቅድሚ ውሳነ ንምስማዕ ን11 ሰነ ቆጸራ ከምዝሃበ፣ ጠበቃታት ተኸሳሲ ይግባይ ከምዝብሉን ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG