ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኻት ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ ተዘራሪቡ


ብኣዛዚ ሓይልታት ሕብረት ኣንጻር ግብረ ሽበራ ስዑዲ ዓረብ ሌተናል ጀነራል ልዑል ፋሃድ ቢን ቱርኪ ቢን ዓብደልዓዚዝ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ትማሊ ሶሉስ ኣብ ኣስመራ ወግዓዊ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ምዝርራቡ ተገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ መሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኤርትራ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳያት ምምዕባል ክልቲኣዊ ዝምድናን ምኽባር ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብቲ ርክብ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረን ሓላፊ ኣዛዚ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ ሜጀር ጀነራል የህያ መሓመድ ኣሲሪን ኣዛዚ ሓይልታት ሕብረት ስዑዲ ብርጋዴር ጀነራል ካልድ ቢን መሓመድ ኣልራማሊ ተረኺቦም ኔሮም።

መናኤፍ ኤን ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ዓረብ ብወገኑ ሰበ ስልጣን ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሸበራን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ስግኣት ዓለምለኸ መስመር ምትሕልላፍ መራኽብ ዝኾኑ ጉዳያት ምዝታዮም ሓቢሩ’ሎ።

ኤርትራ ንሕብረት ሃገራት ወሽመጥ ኣብ የመን ኣብ ዘካየድዎ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ንወደብ ዓሰብን መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ክጥቀሙ ምፍቓዳ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG