ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ቲቦር ናዥ ናብ ሱዳን ክበጽሑ’ዮም


ፋይል.
ፋይል.

ናይ ኣሜሪካ ምክትል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ናብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ብምኻድ ምስ አባላት’ቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን መራሕቲ ተቓውሞን ንምርካብ ውጥን ከምዘለዎም ተገሊጹ።

እቶም ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋእ መበገሲ ዝገበረ ዑደት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ካርቱም ከካይዱ’ዮም ክብል ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መገልጺ ኣፍሊጡ’ሎ።

ቲቦር ናዥ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍጸም መጥቓዕቲ ደው ክብል ክጽውዕ’የ ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት ልዝብ ክቕጽሉ ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ክሰርሑ’ውን ክምዝምህጸኑ ሓቢሮም።

ቲቦር ናዥ ናብ ምዛብቢክን ደቡብ ኣፍሪቃን ቅድሚ ምግዓዞም ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ኩነታት ሱዳን ከምዝዘራረቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ቲቦር ናዥ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ዝተወስደ ብዓሰርተታት ዝተቐትሉ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ኮኒኖም። ሱዳን ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ዝምድና ከተመሓይሽ እንተደልያ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ክትምለስ ኣለዋ’ውን ኢሎም።

መሻርኽቲ ኣሜሪካ ዝኾና ሰለስተ ሃገራት ዓረብ ግብጺ፡ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን ግን ንወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ይድግፋ’የን።

XS
SM
MD
LG