ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ/ሃ ብሞት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ይሻቐል


ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝዕቈቡሉ መዓስከር ማይ-ዓይኒ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም ሰለስተ ስደተኛታት ብምቕታሎም ኣዝዩ ኣሕዛኒ ተርእዮ’ዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ገሊጾም። ከም መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደብዳበ ነፈርቲ ካልኦት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ተሃሪሞም ኣለዉ። ኵነታት እቶም ኣርባዕተ ቍሱላት ኣብ ደሓን ደረጃ ምህላዉን ዘድሊ ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረሎም ከም ዘሎን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ነቲ ኣጋጣሚ ምርኩስ ብምግባር ኮሚሽነር ግራንዲ፡ ኵላቶም ወገናት መሰልን ህይወትን ስደተኛታት ክሕሉዉን ንዓለምለኸ ስምምዓት ስደተኛታት ከተግብሩን ጸዊዖም።

ካብ ወታሃደራዊ ዒላማ ወጻኢ ኣብ ዝዀኑ በበይኑ ቦታታት ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ድሮናትን ነፈርቲን የጋጥም ከም ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ምጥቃስና ይዝከር። ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጉድይ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ ዛጊት የሎን።

XS
SM
MD
LG