ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ናይ ሕ/ሃ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ይፍጸሙ ኣለው


ላዕለዋይ ኮሚሽነር ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ዘይድ ራኢድ ኣል ሑሴን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተገብረሎም ዕደመ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሮም ኣብ ኣዲስ አበባ ከምዝርከቡ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።ኣብ ዑደቶም ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ዝለዓለ ልዝብ እውን ክሳተፉ እዮም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ዛይድ ዝሓለፈ ግንቦት 2017 ዓ ም ምስ ሽዑ ቀዳማይ ሚንስትር ዝነበሩ ሃይለማሪያም ደሳለኝን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን መንግስትን ኣባላት ስቪላዊ ማሕበረሰብን ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ንምዝታይ ከምኡ እውን ስራሓት ቤት ፅሕፈት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰብኣዊ መሰላት ንምዝታይ ኣብታ ሃገር ነይሮም።

ኣብዚ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደቶም ዛይድ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን፣ኣፈጉባኤ ፓርላማን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ወከልቲ ስቪል ማሕበረሰበን ኣብ ቀረባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ነቐፍቲ መንግስትን ክራኸቡ እዮም።

XS
SM
MD
LG